Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ክልል ትግራይ ክሲ 43 ኤርትራውያን ኣቋሪፁ

0 12

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ንምጥንኻር ዓሊሙ ክሲ 43 ኤርትራውያን ክቋረፅ ከምዝገበረ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ከምዝበልዎ፥ ቅድሚ ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ምጅማሩ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ትግራይ ኣትዮም ጉዳዮም ብሕጊ ተታሒዙ ዝነበረ ኤርትራውያን ክሶም ክቋረፅ ተገይሩ ኣሎ።

መበገሲኡ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ሓው ክልቲኡ ህዝቢ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቶም ኤርትራውያን ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓማውቲ ብምኽንያት ተድጋጋሚ ምጥሓስ ዶብ ተኸሲሶምን ጉዳዮም ብሕጊ እናተርኣየ ዝፀንሑ እዮም።

ኣይተ ኣማኑኤል፥ ምስቶም ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኣሰሩ 33 ኢትዮጵያውያን ክሶም ከም ዝተስረዘሎም እውን ገሊፆም።

ዶብ ጥሒስካ ምእታው፥ ብሕጊ መቕፅዒ ገበን ኢትዮጵያን ብኣዋጅ ኢሚግሬሽንን ገበን ኮይኑ ከም ዝተደንገገን ነዚ ገበን ዝጠሓሰ ሰብ ድማ ተሓታቲ ከምዝኸውንን ኣይተ ኣማኑኤል ኣፍሊጦም።

Comments
Loading...