Fana: At a Speed of Life!

መሰልን ረብሓን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ምሕላው መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተገሊፁ

0 5

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መሰልን ረብሓን ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ምሕላውን ካብ ጉድኣት ኣብ ምክልኻልን መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ዓመታት ደው ኢሉ ዝነበረ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ዘለዋ ሃገራት ዝግበር ምውፋር ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ጀሚሩ።

ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ ዝነበርዎ ክፍተታት ብምዕባስ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝግበር ምውፋር ስራሕ ንክጅመር ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

በዚ ዕድል ተረባሕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ሕጋውነቶም ሓሊዮም ክዋፈሩ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ሂሩት ዘመነ ብግደአን፥ ንብዙሕ ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረ ወፍሪ ስራሕ ንምጅማር ዘኽአል እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።

እቲ ምውፋር ስራሕ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኳታርን ዮርዳኖስን ኢዩ ተጀሚሩ ዘሎ።

ነዚ እውን 69 ትካላት ጥዕናን 144 ኤጀንሲታት ኣራኸብቲ ስራሕን ሰራሕተኛን ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ።

ቅድመ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ 144 አጄንሲታት ሸድመኛ ካብ ሰራሕ ተኣጊዶም ኣለዉ።

ነቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ምውፋር ስራሕ ዝመርሕ ሓዱሽ ዳይሬክቶሬት ኣብ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተዳለወ እንትኸውን፥ ተጓዓዝቲ ናብ ናይ ወፃኢ ዓዲ ስራሕ ንምውፋር ዓሊሞም እንትመፅኡ ብቕዓት መረጋገፂ ንከቕርቡ ትፅቢት ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ፥ ናብ ኦማን፣ ሕቡራት ኢሜሬት ዓረብን ኲየትን ዝግበር ወፈሪ ሰራሕ ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብትዕግስቲ ስለሺ

Comments
Loading...