Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬኒያ ሎሚ ንጎሆ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 40 ሰባት ሞይቶም

0 19

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬኒያ ሎሚ ንጎሆ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 40 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ካብ ናይሮቢ ናብ ኪስማዮ 52 ሰባት ኣሳፊራ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣብቶብስ ዘጋጠመ’ዩ ተባሂሉ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ፥ እታ መኪና ቁልቁለት ሒዛ እንትትከይድ ብዝነበራ ናህሪ ካብ ቁፅፅር ገናሒ መኪና ወፃእ ብምዃን መገዳ ስሒታ ከምዝተገልበጠት ተገሊፁ።

በዚ ድማ 40 ተጓዓዝቲ ከምዝሞቱ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ቁፅሪ መወትቲ 42 ከምዝኾነ ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብ ኬንያ ከም ኣቆፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 36 ሰባት ብሓደ ጊዘ ምሟቶም ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...