Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀዳማይ ማይ ዙርያ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ብራዚል ጃዬር ቦልሶናሮ ስዒሮም

0 15

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብራዚል ትማሊ ኣብ ዝተገብረ ቀዳማይ ዙርያ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ የማናይ ክንፊ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ጃዮር ቦልሶናሮ ተዓዊቶም።

እቶም ሕፁይ ተነሓናሒ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ መረፃ ሰዓሪ ኮይኖም ዝወፅእሉ 50 ሚኢታዊ ድምፂ ኣይረኸቡን።

ይኹን እምበር ጃዬር ቦልሶናሮ 46 ሚኢታዊ እንትረኽቡ፥ ሕፁይ ተነሓናሒ ፀጋማይ ክንፊ ፓርቲ ሰራሕተኛታት ፈርናንዶ ሃዳድ ድማ 29 ሚኢታዊ ድምፂ ረኺቦም ኣለዉ።

ስለዝኾነ ሰዓሪ ንምፍላይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 28 ጥቅምቲ 2018 ካልኣይ ዙሪያ መረፃ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብ’ቲ መረፃ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ክሳተፉ እዮም።

ጃዬር ቦልሶናሮ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ብዙሕ ደጋፊ ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

ነዚ እውን ኣብ ምውራድ ጥንሲ ዝሓዝዎ ጠንካራ ቅዋም ድጋፍ ነክረኽቡ ከምምኽንያት ከምዝውሰድ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

Comments
Loading...