Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ እንትትጥቀም ዝህልዉ ክፍሊታት ኣገልግሎትን ኣቕረቦት ሎጂስቲክስን ዘተኮረ መፅናዕቲ ተዳሊዩ

0 34

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ እንትትጥቀም ዝህልዉ ክፍሊታት ኣገልግሎትን ኣቕረቦት ሎጂስቲክስን ዝምልከት መፅናዕቲ ተዳሊዩ

ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘካየድኡ ዘተ ሰላምን ዕርቀ ሰነያን ስዒቡ ወደባት ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ስምምዕነት ምግባረን ይዝከር።

ስለዝኾነ እቶም ወደባት ናብ ልዑል ረብሓ ኢኮኖሚ ንምቕያር ዝግበር ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኢዩ።

ነዚ እውን ፅገናታት መገዲ መካይን ካብ ምግባር ኣትሒዙ ወደብ ምፅዋዕ ሐዚ ብዘለዎ ደረጃ ስራሕ ንክጅምር ዘኽእል ስራሕቲ ምጅማሩ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን በዓል ስልጣን ጉዳያት ማሪታይም ኢትዮጵያ ወይዘሮ የሺ ፍቓደ፥ ቤት ዕዮአን ኣብ ክልተ ጉዳያት ብምድሃብ ቅድመ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ብመንፅር ምሙላእ መሰረተ ልምዓታት እንትረአ፥ መገዲን ተመሳሰልቲ ተግባራትን ክማልኡ እዮም።

እቲ ካልኣይ ድማ ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ እንትትጥቀም፥ ኣቐዲምካ ምላሽ ክረኽቡ ዝግባኦም ጉዳያት ብመፅናዕቲ ንምፍላይ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ እተን ዳይሬክተር ገሊፀን።

ነዚ እውን ሰብ ሞያ ተወዲቦም መፅናዕቲ ከምዝገበሩ ዝሓበራ ወይዘሮ የሺ፥ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ወደባት ኤርትራ እንትትጥቀም ዝህልዉ ክፍሊታት ኣገልግሎት ከንደይ ከምዝኸውን? ኣቕርቦት ግምሩኽን ሎጂስቲክስን ብዝምልከት  ንዝህሉ ኩነታት እውን ምላሽ ከምዝተውሃቦ ኣብሪሀን።

ይኹን እምበር ጉዳይ ታሪፍ ብወገን ኤርትራ እውን ይፅናዕ ስለ ዘሎ ክልቲኦም መፅናዕቲታት ኣቕሪብካ መደምደምታ ከምዝወሃቦም ብምግላፅ እቲ ታሪፍ ሐዚ ዕላዊ ምግባር ኣድለዪ ከምዘይኮነ ተዛሪበን።

መራኽብ ኣብ ግምገም ባሕሪ እንትበፅሓ ዝፀዓንኡ ፅዕነት ኣብ ምውራድ ዘሎ ናይ ሎጂስቲክስ ስራሕ እውን ዝዓበየ ተግባር ከምዝኾነ ሓቢረን።

ስለዝኾነ ገዘፍቲ ኮንቴነራት ካብ መራኽብ ንምውራድ ዝሰርሑ ክሬናት እውን ኣካል እቲ መፅናዕቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ብዳዊት በሪሁን

Comments
Loading...