Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ሕማም መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ንምክልኻል ዝዓለመ ትሕቲ 14 ዕድመ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዩ ክታበት ክወሃብ’ዩ

0 65

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ሕማም መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ንምክልኻል ዝዓለመ ትሕቲ 14 ዕድመ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዩ ክታበት ክወስዳ ክገብር’ዩ ክብል ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኪኢላ ክታበት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣዋሽ ሓድጉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዋ እቲ ሕማም ኣቀዲምካ እንድሕር ዘይተከላኪልካዮ ንሞት ዘሳጥሕ ሕማም እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሕማም መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቂ ኣንስትዩ ፆታዊ ርክብ እንትጅምራ ዝመፅእ ሕማም እዩ ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ፥ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዓሊሙ ካብ 9 ክሳብ 14 ክሊ ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዩ ክታበት እናሃበ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።

እዚ ብመልክዕ ወፍሪ ንክካየድ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ብምሕባር ከም መቐፀልትኡ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝተገበረ ወፍሪ ክታበት ድማ ዉፅኢታዊ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

ንቐፃሊ ድማ ኣብ ኩለን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክታበት ሕማም መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ክህብ እዩ ኢሎም ኣይተ ኣዋሽ።

ስለዝኾነ ትሕቲ 14 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክታበት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክወስዳ እቲ ቢሮ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...