Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዓብዪ ጉያ ዕለተ ሰንበት ኣብ መቐለ ክሳለጥ’ዩ

0 35

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዓብዪ ጉያ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ’ዩ።

እቲ ጉያ ፌዴሪሽን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ምስ ሰብ ሙያ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ብምሓባር ብምዃን ዘዳልውዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፌዴሪሽን ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ ከምዝሓበሮ፥ እቲ ጉያ ዕለተ ሰንበት 11 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝካየር ዓብዪ ጉያ ብዙሓት ተሳተፍቲ ክህልውዎ እዮም።

ብመሰረት እዚ ሓሙሽተ ኪሉ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነ እቲ ጉያ፥ ተፈለጥቲ ኣትሌታት ሓዊሱ ንክልቲአን ሃገራት ዝውክሉ ብዙሓት ሰባት ከምዝሳተፉ ግዜኣ ፀብፂቡ።

Comments
Loading...