Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ድልድል ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ዕላዊ ኾይኑ

0 52

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መርሃ ግብሪ ድልድል ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኾይኑ።

ሽዱሽተ ጋንታታት ኣብ ዝሳተፋሉ ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ትግራይ፥ ጋንታ ከተማ መቐለ፣ ወልዋሎ፣ ስሑል ሽረ እንዳስላሰ፣ ደደቢት፣ ድሬዳዋን ጋንታ ከተማ ኣክሱምን (ካብ ላዕለዋይ ሊግ) ኣብቲ ውድድር ተነሓናሕቲ ክኾና እየን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ምድብ “ሀ”፥ ጋንታ ወልዋሎ፣ ደደቢትን ስሑል ሽረን ተደልዲለን ኣለዋ።

ኣብ ምደብ “ለ” ድማ፥ ጋንታ መቐለ፣ ድሬዳዋን ሓውልቲ ኣኽሱምን ተደልዲለን።
ብመሰረት ዝተገበረ ድልድል እቲ ፀወታታት ኣብ ስታዲየም መቐለ ዝሳለጥ እንትኸውን፥ መርሃ ግብሪ እቲ ፀወታ ዕለተ ቐዳም ክጅምር እዩ።

ስለዝኾነ ዕለተ ቀዳም ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ ወልዋሎ ምስ ደደቢት ክጋጠማ እየን።
ሰዓት 10 ድማ ከተማ መቐለ ምስ ድሬዳዋ ፀወተአን ከምዘካይዳ ተሓቢሩ።

ዕለተ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8 ወልዋሎ ምስ ሽረ ዝጋጠማ እንትኾና፥ ሰዓት 10 ድማ ከተማ መቐለ ምስ ከተማ ኣክሱም ፀወተአን ከካይዳ እየን።

ዕለተ ረቡዕ፥ ደደቢት ምስ ሽረ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣክሱም ምስ ድሬዳዋ ሰዓት 11ን 30ን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ፀወተአን ከምዘሳልጣ ኣብ’ቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ዕለት 02 ጥቅምቲ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ ዕለት 04 ድማ ንፅዋዕ መን ዓተረን ደረጃን ዝግበር ፀወታ ክሳለጥ እዩ።

እቲ ውድድር ጋንታታት ትግራይ ዓቕመን ዝፍትሻሉን ተሞክሮ ዝወስዳሉን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፥ ካብ መሸጣ ማልያን ቲኬትን እቶተን ዘዕብያሉ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ኣብ ውድድር ፅዋዕ ትግራይ ኮኸባት ተባሂሎም ንዝምረፁ ተፃወትቲ፥ ሽልማት ፅዋዕ፤ ንተሳተፍቲ ጋንታታት ድማ ከከም ደረጅአን ሽልማት ገንዘብ ክብርከት እዩ።

ካብ 26 መስከረም 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ዝካየድ ፅዋዕ ትግራይ፥ ብምትሕብባር ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይን ስራሕቲ ምልላይ ሸቶን ዝሳለጥ እዩ።

Comments
Loading...