Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ህወሓት ድሌትን ሕቶን ህዝቢ ዝምልሱን ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽንን ዴሞክራታይዜሽንን ከዕውቱ ዝኽህሉን ውሳነታት ክሓልፍሉ ትፅቢት ይግበር- ዶ/ር ደብረፅዮን

0 88

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደብረፅዮን ህወሓት ህዝቢ ኣብ ጎድና ብምስላፍ ዘጋጠምዋ ፀገማት ብዓወት እናሰገረት ምምፃኣ ተዛሪቦም።

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ህወሓትን ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ንምድኻም ካብ ወፃእን ውሽጢ ዓድን ተኣኻኺቦም እናፀዓሩ ዋላ እንተሃለዉ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መትከላዊ ቃልሲ ዝንኣድን ቐፃልነት ክህልዎ ዝግባእን እዩ ኢሎም።

ጉባኤ ህወሓት ድሌትን ሕቶን ህዝቢ ትግራይ ዝምልሱን ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽንን ዴሞክራታይዜሽንን ከዕውቱ ዝኽህሉን ውሳነታት ክሓልፍሉ ትፅቢት ይግበር።

ነፍሲ ወከፍ ጉባኤተኛ ሕድሪ ስወኣት ከይጠለመ ንህዝቢ ዝጠቕሙ ውሳነታት ብምሕላፍ ታሪኻዊ ሓላፍነቱ ክፍፅም ዶ/ር ደብረፅዮን ፀዊዖም።

መናእሰይ ትግራይ እውን ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኹነታት ተረዲኦም ፀገማት ተሸኪሞም ዘካይድዎ ዘለው ብስለት ዝተመለኦ ቓልሲ ንክቕፅልሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ተላብዮም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ኻልኦት ብሄር ብሄረሰባት ኾይኑ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብዛ ሃገር ዝሃነፆ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ሓይልታት ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ እናፈፀሙ እዮም።

ነዚ ድማ ህወሓት ከምትኹንኖ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን ገበነኛታት ክሕተቱን ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅን ኩሉ ኣካል ሓላፍነቱ ክፍፅም ኣተሓሳሲቦም።

ብዛይድ ተስፋይ

Comments
Loading...