Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ተዓዘብቲ ወፃኢ ዓዲ ኣብ ዝተረኸብሉ ማእኸል ሚሳኤላ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ

0 49

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 መስከረም፣ 2010 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ተዓዘብቲ ወፃኢ ዓዲ ኣብ ዝተረኸብሉ ማእኸል ሚሳኤላ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ።

እቲ ውሳነ፥ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጁንግ ኡንን መራሒ ደቡብ ኮሪያ ሙንጃ ኤን ኣብ ፒዮንግግያግ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝተገለፀ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ እቲ ቀጠና ካብ ኒውክሌር ናፃ ብምግባር ሰላማዊ ከባቢ ንምፍጣር ምስምዕመዖም ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቶም መራሕቲ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ምውሳድ ምጅማሮም ተገሊፁ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኪም፥ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ከተማ ሲኦል ከምዝጓዓዙ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ንዝፍጠር ጎንፂ ንምክልኻል ዘኽእል ኣብ በሪታት ባሕሪን ምድሪን ናፃ ቀጠና ንምጥያሽ ከምዝተስማዕምዑ ገሊፆም።

 

ፍልፍል፦አልጀዚራ

Comments
Loading...