Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ምዕባይ ንግዲ ወፃኢ ክልል ትግራይ ኣብ 2010 ዓ.ም ትሑት ከምዝነበረ ተገሊፁ

0 39

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ 2010 ዓ.ም ዝነበረ ኣፈፃፅማ ምዕባይ ንግዲ ወፃኢ ክልል ትግራይ ትሑት ከም ዝነበረ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግዲን ኢንዳስትርን ትግራይ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምልማዕ ንግዲን ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮን ኣይተ ዳንኤል መኮነን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍርቂ ቢለየን ዶላር ዝግመት ፍርያት ትግራይ ንወፃኢ ሃገር ንምልኣኽ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣብ ኣፈፃፅምኡ ኣስታት 248 ሚሊየን ዶላር ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ኣታዊ ምስ ተመሳሳሊ እዋን 2009 ዓ.ም እንትነፃፀር ናይ 9 ነጥቢ 38 ሚሊየን ዶላር ወሰኽ ከምዘሎዎ ተዛሪቦም።

እቶም ንወፃኢ ሃገር ሰደድ ዝተገበሩ ፍርያታት ሕርሻ፣ ማኒፋክቸሪንግ፣ መዓድናትን ወዘተእንትኾኑ፥ ቀንዲ ምኽኒያት ምንካይ ንግዲ ወፃኢ ፅሬት ኣቕሓ ዘይምህላው፣ ምንካይ ዋጋ ዕዳጋ ዓለም፣ ሕፅረት እታዎትን ትኹረት ዘይምሃብን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብዋናንት ግና ምስፍሕፋሕ ዘይሕጋዊ ንግዲ(ኮንትሮባንድ) ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ 2011 ዓ.ም ቁፅፅር ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ ) ብትኹረት ዝስረሓሉ ጉዳይ ክኸዉን እዩ ክብሉ ኣይተ ዳንኤል ገሊፆም።

ኣብ ከልል ትግራይ 1 ሺሕን 50 ኣምፃእቲን 188 ለኣኽትን ነጋዶ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...