Fana: At a Speed of Life!

ኣይፎን ሓደሽቲ ሞዴላት ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ሒዙ መፅዩ ኣሎ

0 70

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኩባንያ ቴክኖሎጂ ኣፕል ኣይፎን ኤክስ ኤስ (iPhone XS) ኢሉ ዝሰመዮ ዘመናዊ ተንቀሳቓሲ ስልኪን ናይ ኢድ ሰዓትን ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።

ኣይፎን ኤክስኤስ ማክስ (iPhone XS Max) 6 ነጥቢ 5 ኢንች ወይ ድማ 16 ነጥቢ 5 ሴንቲ ሜትር ስፍሓት ስክሪን ዘለዎ እንትኸውን ኣይፎን ኤክስኤስ ድማ 5 ነጥቢ 8 ኢንች ስክሪን ኣለዎ።

ምስዚ ሞባይል ርክብ ዘለዎ ናይ ኢድ ሰዓት እውን ትማሊ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ዋጋ ኣይፎን ኤክስ ኤስ (iPhone XS) ካብ ካልኦት ፍርያታት ኣይፎን ክባር ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ነዚ ንምዕዳግ ካብ 749 ዩሮ (ኣስታት 26 ሽሕ ብር ) ጀሚሩ ክሳብ 1449 ዩሮ (52 ሽሕ ብር) የድልይ።

ዋጋ እዚ ዘመናዊ ስልኪ ዋላ ሰማይ እንተዓረገ፥ ሰባት ካብ ምዕዳግ ንድሕሪት ከምዘይብሉ ግና ሰብ ሞያ ይትንብዩ ኣለዉ።

ተጠቀምቲ እዚ ዘመናዊ ተንቀሳቃሲ ስልኪ፥ ገመድ ኣልቦ መስምዒ እዝኒ እዮም ዝጥቀሙ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቻርጅ መግበሪ ሶኬት እትስኳዕ 9 ዩሮ እትሽየጥ ገመድ ብምዕዳግ ምስቲ መስምዒ እዝኒ ብምርኻብ እውን ክጥቀሙ ይኽእሉ።

Comments
Loading...