Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ካላዛር ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ትግራይ ይራኣይ ኣሎ- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና

0 57

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ጥራሕ ይረአ ዝነበረ ሕማም ካላዛር ኣብ ካልኦት ዞባታት ትግራይ’ዉን ይራኣይ ኣሎ ከምዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ኣታሓባባሪ ኬዝ ቲም ትኹረት ዘይተውሃቦም ሕማማት፣ ቅድመ መጠንቀቕታን ሰርቪላንስን እቲ ቢሮ ኣይተ ዮሃንስ ገብረ ሃወሪያት ንፋና ብሮድካስቲግ ኮርፖሬት ከምዝበልዋ፥ እቲ ሕማም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ተራእዩ ኣሎ።

ምልክታት ሕማም ካላዛር ምስ ሕማም ዓሶ ዝመሳሰል ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ የውሃንስ፥ ሓደ ሰብ ንተኸታታሊ ክልተ ሰሙን ዝፀንሐ ረስኒ ሰዉነት እነተጋጢሙዋ ቀልጢፉ ናብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ክሕከም ከምዘሎዎ ተዛሪቦም።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኮለጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሽዋየ በላይ ብግደኦም፥ ሓደ ሰብ በቲ ሕማም እንተተታሒዙ ኣብ ትካል ጥዕና ካብ 28 ክሳብ 30 መዓልታት ደቂሱ ክሕክም ኣሎዋ ኢሎም።

ዩኒቨርስቲ መቐለ ንሕማም ካላዛር ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ፥ ሕፅረት መመርመሪ መሳርሒ እቲ ሕማም ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።

ሕብረተሰብ ዛንዜራ ብምጥቃምን ነቲ ሕማም ተባሂሉ ዝተዳለወ ቅብኣት ብምጥቃምን ሕማም ካላዛር ምክልኻል ከምዝኽእል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽዋየ ተዛሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...