Fana: At a Speed of Life!

ተኽሊታት ዘድሊዮም መጠን ማይ ዝልክዕ ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተማሂዙ

0 59

አዲስ አበባ፣ ጳጉሜን 01፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተኽሊታት ዘድሊዮም መጠን ማይ ዝልክዕ ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተማሂዙ።

እቲ ብሓደ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ዝተምሃዘ ቴክኖሎጂ፥ ነቶም ተኽልታት ዘድሊ ሓቃዊ መጠን ማይ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ቴክኖሎጂ ተዓዋቲ ብዝኾነ መንእሰይ ሄኖክ ኣዲሱ ዝተምሃዘ እቲ ቴክኖሎጂ፥ ፅዕንቶ ስራሕ ሓረስቶትን ብኽነት ማይን ኣብ ምቕናስ ይኹን ዘፈር ሕርሻ ኣብ ምዝማን ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ምህዞ ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቅላል ካብ ዝህልለዎ ረብሓ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ምህዞታት ቴክኖሎጂ ዘለዋ ብራኸ ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ።

መንእሰይ ሄኖክ ኣዲሱ ኣብ ዩንቨርሲቲ ሃዋሳ መበል ራብዓይ ዓመት ተምሃሪ ኤሌክትሮመካኒካል ኢንጂነሪንግ ከምዝኾነ እውን እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ገሊፁ።

Comments
Loading...