Fana: At a Speed of Life!

ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ተሳጊሩ ናብ ኤርትራ ዝተጓዓዘ ጉጅለ ልኡኻ ሰላም ወረዳ ጎለመኸዳ ብሰላም ናብ መረበቱ ተመሊሱ

0 1,487

ኣዲስ ኣበባ፣  21 ነሓሰ፣ 2010 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ መዓልቲ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ተሳጊሮም ናብ ኤርትራ ዝተጓዓዙ ኣባላት ጉጅለ ልኡኻ ሰላም ወረዳ ጎለመኸዳ ብሰላም ናብ መረበቶም ተመሊሶም።

እቶም ጉጅለ ልኡኽ ሰላም፥ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ፣ ካቶሊክን እስልምናን ከምኡ እውን  ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣዴታትን መናእሰይን ዝርከብዎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ካብ ጣብያታት ማርታ፣ ዛላንበሳ፣ ኣዲስ ተስፋን ኣዲስ ኣለምን ዝተውፃእፅኡ ኣስታት 46 ዝኾኑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ካብ ከተማ ዛላምበሳ ሕልፍ ኢልካ ኣብ እትርከብ ሰርሓ እትብሃል ከተማ ኤርትራ እዮም በፂሖም ተመሊሶም ዘለዉ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብምኽንያት ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዛላኣምበሳ ኣብ ዝዳሎ መድረኽ፥ ምስ ኤርትራውያን ሓቢሮም ንከብዕሉ ዘኽእል ፃውዒት ደብዳቤ ብምሓዝ ናብ ከተማ ሰርሓ ዝተጓዓዙ ኣባላት ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራን ተራኺቦም።

ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ትእምርተ ሰላምን ብድምር ሰለስተ ዓይነት ባንዴራታት ኣምሪሖም ናብ ኤርትራ ዝተጓዓዙ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ዶብ ሰጊሮም ምስ ሓለፉ፥ ነበርቲ እቲ ከባቢን መከላኸሊ ሃገረ ኤርትራን ልዑል ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ምስ ሓዎም ህዝቢ ትግራይ ንምርኻብ ድልየት ሰላም ከምዘለዎምን መንገዲ ይፀረጉ ከምዘለውን እውን ሓቢሮምሎም።

እቲ ደብዳቤ ናብ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘብፅሕዋን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽማግለ ነቲ ምላሽ ንምምፃእ ተመሊሶም ናብቲ ከባቢ ከምዝኸዱን ተስማዕሚዖም ኣለው።

 

 

Comments
Loading...