Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተዓፂዩ ዝነበረ መገዲ ኣየር ዛምቢያ ዳግም ንምጅማር ስምምዕነት ፈሪሙ

0 256

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2010 (ኤፍ ቢ ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 30 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ “ኢንቨስት” ብምግባር ተዓፂዩ ዝነበረ መገዲ ኣየር ዛምቢያ ዳግም ንምጅማር ዘኽአል ስምምዕነት ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ዛምቢያ ተፈራሪሙ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ዛምቢያን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝገለፅዎ፥ ንልዕሊ 20 ዓመት ተዓፂዩ ዝነበረ መገዲ ኣየር ዛምቢያ ንምጅማር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ።

እቲ ዝተገበረ ስምምዕ መገዲ ኣየር ዛምቢያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2028 ዓ.ም 12 ነፈርቲ ንምንቅስቓስ ከምዘኽእሎ ተሓቢሩ።

Comments
Loading...