Fana: At a Speed of Life!

ብፕሬዚዳንት ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ክልል ኣምሓራ ክመፅእ ኢዩ

ብፕሬዚዳንት ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ክልል ኣምሓራ ክመፅእ ኢዩ

0 1,602

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ክልል ኣምሓራ ከምዝመፅእ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሸን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ንጉስ ጥላሁን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ “ፌስቡክ” ከምዝገለፅዎ፥ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ዝመርሕዎ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ክልል ኣምሓራ ንክመፅእ ስምምዕ ተገይሩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣፈኛ(ኣፈ ጉባኤ) ክልል ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ኣምሓራ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ንክጓዓዝ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ።

ኣይተ ንጉስ፥ ዘተ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብዝምልከት ምስ ኣማኻሪ ፖለቲካ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረኣብ ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኣምሓራ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊታት ኣምሓራ(ኣዴሃን) ንምዝታይ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣስመራ ምኻዱ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኣምሓራን ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊታት ኣምሓራ(ኣዴሃን)ን ትማሊ ካልኣይ ዙር ዘተ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣሳሊጦም ኢዮም።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊታት ኣምሓራ ኣብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሰለማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ንምግባር ምስምማዑ ዝዝከር ኢዩ።

ይኹን እምበር “ኣብ’ቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሕቶታት ኣምሓራ ተመሊሶም ኢዮም ብዝብል ዘይኮነስ፥ ሕቶታት መንነትን ኣዋሳንን እቲ ክልል ምላሽ ንክረኽቡ ምስ ብኣዴን ሓቢርና ክንቃለስ ኢና” ክብሉ ኣቦመንበር ኣዴሃን ተፈሪ ካሳሁን ገሊፆም ኢዮም።

Comments
Loading...