Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትን ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ ነዳዲ መተሓላለፊ ቱቦ ንምህናፅ ትልሚ ሒዘን

0 304

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬት ሪም ኣል ሃሺሚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዮም።

ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬት ሪም ኣል ሃሺሚ ካብ ወራሲ ዓራት(ተካኢ ንጉስ)ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ኣብፂሐን ኢየን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ኢንቨስትመንት ንምትግባር ቅድመ ሐዚ ዝፈረምኡ ሰነድ ስምምዕነት ናብ ተግባር ንምስግጋር ዘኽእል ልዝብ ሎሚ መዓልቲ ተገይሩ ኣሎ።

ነዚ እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበሩ ስምምዕነታት ናብ ተግባር ንምስግግር ዘኽእል ብብብርኪ ሰብ ሞያን ቴክኒክን መፅናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዘተ ብፍላይ ህንፀት ሪልስቴትን ሪዞርትን ብህፁፅ ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ መተሓላለፊ ነዳዲ ቱቦ ንምዝርጋሕ ዝተስማምዓ እንትኾና፥ ነዚ ንምትግባር ዘኽእል መፅናዕቲ ንምክያድ ተወሲኑ ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ዘተ ሪም ኣል ሃሽሚ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝተዛረብኡ፥ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ፀንቂቓ ንምጥቃም ድልየት ኣለዋ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገበረ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፥ ንርክብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትን ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረ እውን ተዛሪበን።

Comments
Loading...