Fana: At a Speed of Life!

ሲኖዶስ : ስነ-ስርዓት ብስራት ዕርቀ ሰላም ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተኻይዱ

0 115

ኣዲስ ኣበባ፣28 ሓምለ፣ 2010(ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ-ስርዓት ብስራት ዕርቀ ሰላም ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብ’ቲ ዕርቀ ሰላም ዝተረኸቡ ኣቦታት ሃይማኖት፥ ዕርቀ ሰላም ልዕሊ ኹሉ ንህዝቢን 
ሃገርን ከምዝረብሕ ገሊፆም።

እቲ ዕርቀ ሰላም ልባዊ ንክኸውን ድማ ተማሕፂኖም።

ኢትዮጵያ ብብሄር፣ ከባቢ፣ መንነትን ካሊእን ከይተኸፋፈለት ህዝባ ብሓድነትን ፍቕሪን ንክነብሩ ፀሎቶም ኣቕሪቦም።

ሐዚ ዝተገበረ ዕርቀ ሰላም ሳልሳይ ወገን ከይተሓወሶ ኢትዮጵያውያን ዝገበርናዮ ምዃኑ ከም ኢትዮጵያውያን ንዕርቀ ሰላም ድሉዋት ምዃንና ዘርእይ’ዩ እውን ኢሎም።

ኣብ’ቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ብስራት ዕርቀ ሰላም፥ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ ራብዓይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ፣ ኣቦታት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ዶክተር ሙላቱ ተሾመን ካልኦት ሰብ መዚ ፌዴራልን ተረኺቦም ኢዮም።

ንዝሓለፉ 26 ዓመታት ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዝነበረ ሲኖዶስ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝገበርዎ ፃውዒት ሰላም ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ንክኸውን ምስምማዑ ይዝከር።

ብተወሳኺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ወፃኢ ኣብ ዝርከብ ሲኖዶስ ኣብ 1984፣ 1985ን 1999 ዓ.ም ኣተሓላሊፉዎ ዝነበረ ውግዘት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምልዓሉ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ሲኖዶስ ቅድመ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ሲኖዶስ ኣተሓላሊፍዎ ዝነበረ ውግዘት ኣልዒሉ ኢዩ።

ብመሰረት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጉዕዞ ምድማር ከካይዱ ዝቐነዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢየን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆርዮስን 25 ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ጳጳሳት፣ ካህናትን ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እሽልምናን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም ኢዮም።

ነቶም ኣቦታት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጀሚሩ ክሳብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ብቀኖና ቤተክርስትያን ድሙቕ ስነስርዓት ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

Comments
Loading...