Fana: At a Speed of Life!

ዋጋ ግልጋሎት: ሓዱሽ ዓመት ንምኽባር ካብ ወፃኢ ዓዲ ንዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን 25 ሚኢታዊ ዋጋ ግልጋሎት ክቕነሰሎም ኢዩ

0 300

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሆቴላትን ካልኦት ግልጋሎት “ቱሪስት” ዝህቡ ትካላትን፥ ሓዱሽ ዓመት፣ ዓመተ 2011 ንምኽባር ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ሃገሮም ንዝመፅኡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ካብ ሓፈሻዊ ዋጋ 25 ሚኢታዊ ዋጋ ግልጋሎት ንምቕናስን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንምንቕቓሕን ቃል ኣትዮም።

እቲ ዝቕነስ ዋጋ ካብ 9 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ክሳብ 20 መስከረም 2011 ዓ.ም ተግባራዊ ዝግበር ኢዩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኻዊ በረራ ሽይጣት ትኬት 25 ሚኢታዊ ንምቕናስ ቃል ዝኣተወ እንትኸውን፥ ሆቴላትን ካልኦት ግልጋሎት “ቱሪስት” ዝህቡ ትካላትን ድማ ኣብ መደቀሲን ኣብ ዝህብዎ ግልጋሎትን ዋጋ ከምዝቕንሱ ኣፍሊጦም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ መምርሒ ጉዳያት ዜግነትን ኢምግሬሽንን ኢትዮጵያ፣ ማሕበር ሆቴላት፣ ማሕበር ታክሲን ካልኦት ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላትን ብሓባር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኢዩ እቲ ውሳነ ዝሃቡ።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ፥ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዘ ብዙሓት ሃይማኖታዊ በዓላት ዘለዉ ብምዃኖም ካብ ወፃኢ ዓዲ ንዝመፅኡ ወገናት ግቡእ ግልጋሎት ንምሃብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይስረሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም።

ስለ ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ዘለዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ሃገሮም ንክኣትዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዘመን በየነ

Comments
Loading...