Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ ገብረመድህን ሃይለ ሎሚ መዓልቲ ምስታ ጋንታ ንክልተ ዓመት ዘፅንሖ ክታም ኣምቢሩ

0 274

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ ገብረመድህን ሃይለ ሎሚ መዓልቲ ምስታ ጋንታ ንክልተ ዓመት ዘፅንሖ ክታም ኣምቢሩ።

ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጅማ ኣባጅፋር ዝነበረ ገብረመድህን ሃይለ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንከተማ መቐለ ብኣሰልጣኒነት ከምዝተረከበ ዝዝከር ኢዩ።

ኣብ 2010 ውድድር ዓመት ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ንዝዛመት ጋንታ ከተማ መቐለ ከሰልጥን ዕድል ምርካቡ ከምዘሐጎሶ ዝገለፀ ገብረመድህን ሃይለ፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝግበር ውድድር እታ ጋንታ ንፅዋዕ ተነሓናሒት ንክትከውን ክሰርሕ ቃል ኣትዩ።

ጋንታ ከተማ መቐለ ብፍሉይ እትልለየሉ ቅዲ ፀወታ ንምምስራትን ተተካእቲ ሰገናት ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ንምብቃዕን ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ እውን ክታሙ እንተንብር ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ፥ ኣብ 2010 ዓ.ም ካብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ፕሪምየር ሊግ ንዝዓበየት ጅማ ኣባጅፋር ብምስልጣን ንዓወት ኣብቂዑ ኢዩ።

ይኹን እምበር ምስ ጅማ ኣባጅፋር ዝነበሮ ውዕል ኮንትራት 20 ሓምለ 2010 ዓ.ም ብምዝዛሙ፥ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ ንከሰልጥን ተስማዕሚዑ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ንጋንታ ከተማ መቐለ ንክልተ ዓመታት ከሰልጥን ብዕሊ ክታሙ ኣምቢሩ ኣሎ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ ኣብ መንእሰይነት ዕድምኡ ኣብ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ቅዱስ ጊዮርጊስን ተሰሊፉ ተፃዊቱ ኢዩ።

ድሕሪ እዚ ድማ ንጋንታታት ትራንስ ኢትዮጵያ፣ ባንኮች፣ ኢትዮጵያ መድን፣ ኢትዮጵያ ቡና፣ መከላከያ፣ ጅማ ኣባ ቡናን ጅማ ኣባ ጅፋርን ብድምር 8 ጋንታታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓመታት ከምዘሰልጠነ ይፍለጥ።

ብዓብዱ ካሕሳይ

Comments
Loading...