Fana: At a Speed of Life!

ታንዛንያ ፈላመይቲ ቦይንግ 787-8 ድሪምላይነር ዓዲጋ

ታንዛንያ ፈላመይቲ ቦይንግ 787-8 ድሪምላይነር ዓዲጋ

0 99

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታንዛንያ ፈላመይቲ ቦይንግ 787-8 ድሪምላይነር ዓዲጋ።

እቲ ዕድጊት ቦይንግ መንግስቲ ታንዛንያ መቐፀልታ ናይቲ ንመገዲ ኣየር ታንዛንያ ንምዕባይ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕርታት እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ፅምብል ምቕባል እታ ነፋሪት ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ጆን ማጉፉሊ፥ ታንዛንያ ኣብ ፅላት መጉዓዝያ ኣየር ክትፃወት ተሊማቶ ዘላ ዓቢይ ተራ ዘርእይ ምዃኑ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ጆን ማጉፉሊ፥ “ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ኣገልግሎት በረራ ዘየድልያ ሃገር የላን” ድማ ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቲ ዕድጊት ንታንዛንያዉያን ኣብ መላእ ዓለም ንዝገብርዎ ስራሕቲ ቢዝነስ ሓጋዚ ከምዝኸዉን ገሊፆም።

ቦይንግ 787-8 ድሪምላይነር 262 ሰባት ናይ ምስፋር ዓቕሚ ዘለዋ እንትትከውን፥ ሽማ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ እምባ መፀውዒ “ኪሊማንጃሮ” ተዋሂብዋ ኣሎ።

መንግስቲ ነቲ እናተዳኸመ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ንምብርባር ሃቂኑ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ፥ ቅድመ ሐዚ ምስ ዝዓደገን ነፈርቲ ሓዊስካ እታ ቦይንግ መበል ራብዓይቲ ኢያ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...