Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክ ቤትፅሕፈቱ ኣብ ቻይና ንክኸፍት ዘኽእል ፈቓድ ረኺቡ

ፌስቡክ ቤትፅሕፈቱ ኣብ ቻይና ንክኸፍት ዘኽእል ፈቓድ ረኺቡ

0 115

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ፌስቡክ ቤትፅሕፈቱ ኣብ ቻይና ንክኸፍት ዘኽእል ፈቓድ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

እቲ ምርካብ ፈቓድ፥ መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክ ናብ ዝተዓፀወላን ገፊሕ ዕዳጋ ናብ ዘለዋን ቻይና ንምእታው ንዝገብሮ ዘሎ ፈተነ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ፌስቡክ፥ እቲ ኣብ ቻይና ዝኸፍቶ ቤት ፅሕፈት ማእኸል ድጋፍ ኣማዕበልቲ ሶፍትዌር፣ መሃዝትን ጀመርቲ ነጋዶን ቻይናውያን ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ቤት ፅሕፈት እንተደኣተኸፊቱ፥ ፌስቡክ ኣብ ቻይና ንመጀመርታ እዋን ወግዓዊ ህላወ ክህልዎ እዩ።

ይኹን እምበር ናይቲ ቤት ፅሕፈት ምዝገባ ዘርኢ ሓበሬታ ካብ መርበብ መንግስቲ ቻይና ክእለ ተገይሩ’ሎ።

ቻይና ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ጠለብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዋ ሃገር እያ፤ ግን ከኣ ከም ትዊተር፣ ፌስቡክን ዩቲዩብን ዝኣመሰሉ መርበባት ኣብ’ታ ሃገር ዕፁዋት እዮም።

ኣብ ከክንደኦም ቻይናውያን ተጠቀምቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዊቦ፣ ሬንሬን ከምኡ ድማ ዩኩ ዝኣመሰሉ መንግስቲ ክቆፃፀሮም ዝኽእል ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ዝጥቀሙ።

መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ንሰብመዚ ቻይና ከሐጉስ ብዙሕ ፈተነታት ዝገበረ እንትኸውን፤ ንቋንቋ መንደሪን ክሳብ ምምሃር በፂሑ እዩ።

ዝርዝር እቲ ምዝገባ ከምዘርእዮ፥ ፌስቡክ ኣብ ቻይና ክኸፍቶ ሃቂንዎ ዘሎ ጨንፈር ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ሃንግዙ ዝተመዝገበ እንትኾን 30 ሚልዮን ዩሮ ክፈስሶ እዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

Comments
Loading...