Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕነት ሰላምን ምሕዝነትን ምፍርራመን ንምዕባለ ዜጋታተን ወሳኒ ምዃኑ ኣሜሪካ ገሊፃ

ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕነት ሰላምን ምሕዝነትን ምፍርራመን ንምዕባለ ዜጋታተን ወሳኒ ምዃኑ ኣሜሪካ ገሊፃ

0 130

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጎአን ዝነበረ ቅርሕንቲ ንምፍታሕ ዝገበርኡ ስምምዕነት ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ምፍጣጥ መፈፀምታ ከምዝረኸበ ዘርእይ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዘንበርዎ ክታም ስምምዕነት ንምዕባለ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ወሳኒ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

እቲ ስምምዕ ኣብ ጉዳይ ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊን ትኹረት ንምግባር ከምዝሕግዝ ድማ ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ነቲ ዝተገበረ ስምምዕ ከምእትድግፍ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፥ እቲ ስምምዕ ንምርግጋዕ ሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

መንግስታት ሩሲያ፣ ግብፂ፣ ስዊድን፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳን ሕብረት ኤሜሬትስ ዓረብን እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገበረ ስምምዕ ንኢዶም እዮም።

Comments
Loading...