Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግበር በረራ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ፓስፖርት ጥራሕ ምሓዝ ከምዘድልዮም ገሊፁ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ይኹን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግበር በረራ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ፓስፖርት ጥራሕ ምሓዝ ከምዘድልዮም ገሊፁ

0 195

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ይኹን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግበር በረራ፥ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ፓስፖርት ጥራሕ ምሓዝ ከምዘድልዮም ገሊፁ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፥ ናብ ኣስመራ ዝግበር በረራ 11 ሓምለ 2010 ዓ.ም ወይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 18 ሓምለ 2018 ከምዝጅምር ኣፍሊጦም።

ተጓዓዝቲ ክልቲአን ሃገራት ፓስፖርት ጥራሕ ከምዘድልዮም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ጉዕዙ ኣብ ዝገበርሉ ቦታ እንትበፅሑ ቪዛ ከምዝወሃቦም እውን ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር ናብ ኣስመራ ንዝጓዓዙ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ቪዛ ከምዘድልዮም ተገሊፁ።

Comments
Loading...