Fana: At a Speed of Life!

ብዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ጉጅለ ልኡኽ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

0 139

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ብዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ (ት.ዴ.ት./ TAND) ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቶም ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ኣባላት ጉጅል ልኡኽ፥ ዶክተር አረጋዊ በርሀ፣ ኣይተ ጊደይ ዘርአፅዮንን ኣይተ መኮንን ዘለለውን እዮም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ካሳሁን ጎፌን ካልኦት ኣመራርሓ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣቀባብላ ገይረሙሎም እዮም።

እቲ ምትሕብባር ቅድሚ 10 መዓልታት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብምድጋፍ ሙሉእ ሓይሉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከእትውን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብርን ምውሳኑ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝጀመርዎ ለውጢ ከምዝድግፍ ዝሓበረ ኣብቲ መግለፂ፥ 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ኣብ አዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተገበረ ድጋፍ ሰልፊ እውን ንኢዱ።

ነቲ ለውጢ ንምኹላፍ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ኣብ’ቲ ሰልፊ ንዝገበርዎ ምንቷግ ቡምቧ ኣምሪሩ ከምዝኹንን ዝሓበረ መግለፂ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ፥ በቲ ምንቷግ ቡምባ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ካብ ቀዳሞት መስረትቲ ህወሓት ሓደ እንትኾኑ፥ ቅድሚ 30 ዓመታት ካብ’ቲ ውድብ ብምፍላይ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ቅድሚ 23 ከምዘጣየሹ ይንገር።

Comments
Loading...