Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብዝነቶገ ቡምባ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣብ ሆስፒታል ብምኻድ ሪኦም

0 91

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ንዘርኣይዎ ለውጢ ንምድጋፍን ኣፍልጦ ንምሃብን ዓሊሞም ኣብ ዝወፅኡ ሰልፈኛታት ብዝነቶገ ቡምባ ንዝተጎድኡ ወገናት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል “ጥቁር ኣንበሳ” ብምኻድ ነቶም ተጎዳእቲ ብምርኣይ ኣፅናዕኒዖም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝተፈፀመ ጥቕዓት ቡምባ ልዕሊ 150 ዝኾኑ ወገናት ከምዝተጎድኡን ካብእዚኣቶም ክልተ ከምዝሞቱን ይዝከር።

 

Comments
Loading...