Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

0 95

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2010 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ።

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉዳይ ዶብ ዝዝቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝልእኹ ምግላፆም ይዝከር።

ስለዝኾነ እቶም ኣባላት ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይረሙሎም እዮም።

ብተወሳኺ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ካልኦት ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስትን ተረኺቦም እዮም።

ኣባላት ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ኣይተ ኦስማን ሳልሕ፣ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ኣይተ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣይተ ኣርኣያ ደስታን ዝርከብዎም እዮም።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ወርሒ ግንቦት መወዳእታ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብዝምልከት፥ ስምምዕነት ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ
ብምቕባል ተግባራዊ ንምግባር ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ናብ ንቡር ብምምላስ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ህዝብታት ዘላቒ ሰላም ንምፍጣር ፃውዒት ቀሪቡ እዩ።

Comments
Loading...