ብፕሪቶሪያ ስምምዕነት መሰረት መንግስቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ተፈፃሚ ንምግባር  ቁርፀኛ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሪቶሪያ ስምምዕነት መሰረት መንግስቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ተፈፃሚ ንምግባር  ቁርፀኛ ምዃኑ ናብ መቐለ ዝኸደ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣረጋጊፁ።

እቲ ልኡኽ ምስ ህወሓት ኣመራርሓን ነበርቲ መቐለን ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ ኣገልግሎት መሰረተ ልምዓት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ንምጅማር  ዘኽእል ልዝብ ተገይሩ።

ናይ ኢትዮ ቴሌኮም፣ የናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገዲ፣ ናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪ፣ ናይ ኢትዮጵያ መብራህቲ  ኣገልግሎት፣ በዓል መዚ መንገዲታት፣ ናይ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ሚኒስቴር፣ ናይ ኢንዱስትሪ ሚኒስቴርን ሓለፍቲ ካልኦት ትከሰላትን መሰረተ ልምዓት ምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዘለውዎ ብርኪ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ዘይተጀመሩ መሰረተ ልምዓታት ኣገልግሎት ኣብ ሓፂር ግዘ ንምጅማር ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣገልግሎት ኢትዮ ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን መንገዲ ኣየርን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ መቐለን ከባቢኣን ንምጅማር ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተወሰኑ ሰብ ሞያ ኩነታት ንኸመዓራርዩ ኣብ መቐለ ንኽፀንሑ ገይሩ።

እቲ ልኡኽ ካብ ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ከተማ መቐለ ዝተወከሉ ነበርቲ ዝተዛተየ እንትኸውን÷ ነበርቲ ዝመፅአ ሰላም ተጠናኺ ንኽቕፅልን ዘይተጀመሩ መሰረተ ልምዓታት ብቕልጡፍ ንኽጅመሩን ሓቲቶም።

ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ናብ መቐለ ምምፅኡ መንግስቲ ንስምምዕነት ሰላም ዘለዎ ቆራፅነት የርኢ እውን ኢሎም።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ÷ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብዙሓት ለውጢታት ከምዘለዉ ብምሕባር እዚ ለውጢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል መንግስቲ ቆራፅ ምዃኑ ንምርኣይ እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ ክርከብ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።

“ሰላም ንኹሉ የድሊ፤ ኣድላይነት ሰላም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ርኢና ኢና፣ ሞት ኣዴታት፣ ብኽያት ይኾኖ፣ ዕምወት መሰረተ ልምዓታት የኣክል፤ ህዝብና ዕረፍቲ ክረክብ ክንገብር ይግባእ” እውን ኢሎም።

ድሕሪ ሕዚ ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ጉዳያት ብመሰረት ብምግባር እናተዘራረብካ ምፍታሕ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ “ብዘይ ሳልሳይ ወገን ከምዚ ባዕልና ፀገማትና ንምፍታሕ ምርኻብና ዓብዪ ስጉምቲ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ዝተጀመሩ ከይዲታት ሰላም ብፅቡቕ ኩነታት እናኸዱ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ዝተፀገመ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዕዙዝ ስራሕቲ ክስርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።ብታሪኩ ለገሰ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment