90 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ደገፋት ናብ ትግራይ ተላኢኾም-ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)90 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን 8 ሺሕን 600 ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን ናብ ትግራይ ተላኢኾም ክብል ውድብ ሕቡራት መነገስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣብ ትዊተር ሒሳቡ ከምዝበሎ፥ ካብ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ደገፍ ብተወሳኺ ነዳዲ ናብቲ ክልል ይኣቲ ከምዘሎ ገሊፁ።

እዚ ድማ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ታሕሳስ 22 ዓ.ም.ፈ ዝተገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

 

Comments (0)
Add Comment