9 ይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ኣብ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታሽዓይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ይሳለጥ ኣሎ።

ብኣምባሳደር ማርቆስ ተክሌ ዝተመርሐ ጊጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፈ ይርከብ።

እቲ ልኡኽ፥ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣይተ ግም ኣባይ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣይተ መለስ ኣለምን ዳይሬክተር ትሕብብር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ በላቸው በየነን ዝርከቡዎ ምዃኑ ካብ ኢምባሲ ኢተዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment