ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ታሽዓይ 9ይ ፎረም ኮሙኒኬሽንን ዲፕሎማሲን ማይ “ጥንኩር ዲፕሎማሲን ኮሙዩኒኬሽንን ንዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ማይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር/ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ሃፍቲታት ማያ ንኽትጥቀም ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲን ኮሙዩኒኬሽንን ዝተዋደደ ስራሕ ክትሰርሕ ኣለዋ።
“ስራቲታትና ብሳይንስን ምርምርን ዝተደገፉ ብዘይምዃኖም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሃፍቲ ማይና ከይንጥቀም ፅዕንቶ ፈጢሩ ኢዩ” ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበሩ ክፍተታት ከምዝተፀንዑን ኣብ ቀፃሊ ውፅኢታዊ ክኾኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተወገኑን እውን ገሊፆም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ትካላት ምርምር፣ ሚዲያታትን ካልኦትን ብዝተዋደደ መልክዑ ኣብ ምስራሕ ከድህቡ ከምዝግባእ እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም፡፡
ኣብቲ ፎረም÷ ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፣ ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ኣካላትን ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡
ብታሪኩ ለገሰ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com