849 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ ሓመድ) ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዝውዕል 849 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ ሓመድ) ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ሃገር ከምዝኣተወ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ገሊፁ፡፡

ክሳብ ሐዚ ናብ ኢትዮጵያ ብዝተለኣኸ መዳበሪያ ዝተትሓዘ ትልሚ ልዕሊ 43 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኸኣለ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመላኽት፡፡

እቲ ኣፈፃፅማ ሓረስቶት እዋኑ ዝሓለወ እታወት ንኽረኽቡ ዘኽእልን ፍርያት ንምድንፋዕ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክትን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment