83 ኢትዮጵያውያን ካብ ጅቡቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ብምትሕብባር 83 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ገይሩ፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ኢትዮጵያውያን ናይ ምምላስ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፁ እውን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸበናዮ የመላኽት፡፡

ብጅቡቲ ኣቢሉ ዝግበር ዘይሕጋዊ ስደት ኣዚዩ ሓደገኛ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ በቢመዓልቱ ህይወት ብዙሓት ሰባት እናስአነ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲድካ ብምስራሕ ህይወት ዜጋታት ምድሓን ከምዝግባእአ እቲ ኤምባሲ ኣገንዚቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment