8 ዩኒቨርሲቲታት ማእኸል ልህቀት ምርምር ተባሂለን ተሓሪየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ሸሞንተ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ማእኸል ልህቀት ምርምር ተባሂለን ከምዝተፈለያ ሚኒስቴር ሳይንስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

ማእኸል ልህቀት ክኾና ዝተሓረያ ዩኒቨርሲታት ድማ፥ ዩነቨርሲቲ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደር፣ ባህርዳር፣ ጅማ፣ ሃዋሳ፣ ኣርባምንጭን ሃሮማያን ኢየን።

እቲ ሚኒስቴር እዚ ዝገለፀ፥ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ኣብ ዝተሓረያ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ኣድሂቡ ዘካየዶ ውፅኢት ምርምር ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ዘተ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ እዋን ኣማኻሪ እቲ ሚኒሰቴር ቤት ዕዮ ዶክተር ወርቁ ነጋሽ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ 46 ዩኒቨርሲቲታት ብምርምር፣ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ትምህርቲ ብዝብል ኣብ ሰለስተ ብርክታት ተፈሊየን ኢየን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ፀገም ዝፈትሑ ብዙሓት ውፅኢታት ምርምር እናበርከታ ዝጸንሓን ኣብ ቀፃሊ እውን ኣስተዋፅኦ ይህልወን ኢዩ ዝተብሃላ ሸሞንተ ዩኒቨርሲቲታት ማእኸል ልህቀት ምርምር ንክኾና  ከምዝተሓረያ ኢዮም ዝገለፁ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ፀገም ፈታሕቲ ምርምራት ርኡይ ግደ ከምዘለዎም ዝገለፁ ዶክተር ወርቁ፥ ቀንዲ ምኽንያት ውፅኢት ምዕባለ ሃገራት እውን ካብዚ ዝፍልፍል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እተን ማእኸል ምርምር ተባሂለን ዝተሓረያ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ዓለም ምስ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ማዕረ ተወዳደርቲ ንኽኾና ዓቕመን ንምህናፅ ከምዝስራሕ ኣገንዚቦም።

ካልኦት 15 መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ድማ ኣብ ዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትምህርቲን ስልጠና ንኽህባ ከምዝተፈለያ ተዛሪቦም።

እተን ዩኒቨርሲቲታት እኹል ፍልጠትን ክእለትን ዘማዕበለ ዜጋ ንኸፍርያ ተኸታታሊ ሓገዝ ከምዝግበረለን እቶም ኣማኻሪ ገሊፆም።

ዝተረፋ 23 ዩኒቨርሲታት ድማ ሓፈሻዊ ትምህርቲን ስልጠናን ንኽህባ ከምዝተፈለያ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment