ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓዉዲ ኢነርጂ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋገፁ ዉፅኢታዊ ስራሕቲታት ምዉጋኖም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም፡፡
ድሕሪ ለዉጢ ዓቕሚ ምፍልፋል ሓይሊ ብምጥንኻር መፍልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ንምስፍሕፋሕ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስፋሕ ዘኽአሉ ብዙሓት ዓውዲታት ስራሕ ተወጊኖም ኢሎም፡፡
ብመሰረት እዚ ካብ ሓፋሻዊ በዝሒ ህዝቢ 54 ሚኢታዊ ዝኾኑ ተረባሕቲ ሓይሊ ብምዃን ድሕሪ ለዉጢ ልዕሊ 6 ሚኢታዊ ዕብየት ተመዝጊቡ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ብፍላይ ህንፀት ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ብርኪ ንክበፅሕ ድሕሪ ለዉጢ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ ምፅንሑ ተዛሪቦም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ዓዉዲ ማይን ኢነርጂን ዘካይድዎ ዘለዉ ዕዙዝ ግደ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ብመሰረት እዚ ከም ሃገር ዓቕሚ ምፍልፋልን ምቕራብን ሓይሊ እናማዕበለ ምምፅኡ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ዓዉዲ ልዕሊ 5 ነጥቢ 1 ሚሊየን ቆፃሪ ዘለዎም ዓማዊል ምፍራይ ምኽኣሉን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 320 ሺሕ ሓደሽቲ ተረባሕቲ ሓይሊ ዓማዊል ምርካቡን ገሊፆም፡፡