ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማኔጅንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከምዝገብራ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።
እተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣብ ዑደተን፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ መርኣዪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ፖሊሲኡ ቀዳምነት ኣብ ዝህቦም ጉዳያትን ዝካየዱ ዘለዉ መመሓየሺታት ኢኮኖሚን ክዝትያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብተወሳኺ ምስ ተወከልቲ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚን ዕድላት ዕዳጋን ከምዝዛተያ ተሓቢሩ።
ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርኡ ዑደት ብማኔጂንግ ዳይሬክተር ድሕሪ ምምራፀን ፈላማይ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።