74 ኣባይቲን 160 ተሽከርከርቲን እንትዕገታ ልዕሊ 156 ሚሊየን ብር ድማ ብመንግስቲ ተወሪሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 689 ሚሊየን ብር፣ 74 ኣባይቲ፣ ሓደ ህንፃን 160 ተሽከርከርቲን እንትእገዳ ልዕሊ 156 ሚሊየን ብር ድማ ብመንግስቲ ከምዝተወረሰ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ረብሓ መንግስትን ህዝብን ኣብ ምሕላው ብዙሓት ስራሕቲከምዝተሰርሐ ገሊፁ።

ንኣብነት ኣብ ምርመራ ሃፍቲ 689 ሚሊየን ብር፣ 74 ኣባይቲ፣ ሓደ ህንፃን 160 ተሽከርከርቲን ከመዝተኣገዳ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ 137 ሺሕን 556 ካሬ ሜትር ትሕዝቶን ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኣክሲዮናት ከምዝተኣገደ ሓቢሩ።

130 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር፣ ኣስታት 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመታ ክልተ ተሽከርከርቲን 10 ሚሊየን ብር ንዋገኦም ክልተ ኣባይቲን ብምንግስቲ ከምዝተኣገዱ ተገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment