ሓዱሽ ዓሌት ጣፍ ኣኽሱማዊት ኣብ ሓደ ሄክታር ካብ 20 ክሳብ 30 ኩንታል ምህርቲ ይህብ-ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ኣፍልጦ ዝረኸበ ዓሌት ጣፍ ኣኽሱማዊት(Dz_cr_429(Ril.7)  ኣብ ሓደ ሄክታር ካብ 20 ክሳብ 30 ኩንታል ምህርቲ ከምዝህብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያታት ሓፀቦን ደብረ ብርሃንን ዘሎ ዓሌት ጣፍ ኣክሱማዊት ኣብ 77 ሓረስቶትን 15 ነጥቢ 35 ሄክታር ስፍሓት መሬትን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ስራሕቲ፥ ብምትሕብባር ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱምን ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ፕሮጀክት ምጥንኻር ስርዓተ ምግቢ FSRP ዝካየድ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ዓሌት ጣፍ ኣኽሱማዊት(Dz_cr_429(Ril.7) ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ብብርኪ ሃገር ኣፍልጦ ዝረኸበ ሓዳሽ ዓሌት ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ተኣታትዮም ካብ ዝፀንሑ ዓሌታት ጣፍ ዝሐሸ ምህርቲ ዘለዎን እኹል ጠሊ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ካብ ሓደ ሄክታር ካብ 20 ክሳብ 30 ኩንታል ምህርቲ ዝህብን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ 107 መዓልቲ ከምዝባፅሕ እውን ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓረስቶት ልዑል ተቐባልነት ብምርካብ ብስፍሓት እናተፋለጠን ኣብ ኣዝዩ ፅቡቕ ዝበሃል ብርኪ ዕብየት ከምዝርከብን እቲ ማእኸል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment