ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ንበዓል መስቀል ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል መስቀል ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ በዓል መስቀል ጉልበት ሕልሚ ዝተርኣየሉ ኢዩ ኢሎም።

ንግስቲ እሌኒ መስቀል ንምውፃእ ዝሓለመትሉ፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዘይሓሰበሉ እዋን፣ ኣይከኣልን ኣይፍተንን ኣብ ዝበሃለሉ ጊዘ፣ ሓደ ዕለት፤ ፈጣሪኣ እነትፈቅድ እቲ መስቀል ካብ ዝተቐበረሉ ቦታ ንምውፃእ ሕልሚ ነይርዋ ኢሎም።

እቲ ሕልማ ንክዕወት ድማ ፀልማት እናቐንጠጠት፣ ዘፀግም መገዲ እናፀረገት፣ ምስ ሕልኽልኽ ፀገማት እናተዳፈአት ናብ ቅድሚት ከምዝተጎዓዘት ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ናብ እየሩሳሌም ተሳጊራ፣ እቲ መስቀል ካብ ዝተቐበረሉ ስፍራ ምውፃእ ክኢላ ኢያ ኢሎም።

በዚ ድማ ሕልማ ጋህዲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ተስፋ ንዘይቆርፅን ክሳብ መወዳእታ ንዝፀንዕን ሰብ ሕልሙ ሓደ መዓልቲ ጋህዲ ከምዝኸውን ዘርእት ትእምርቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሕልሙ ዝፈልጥ፣ ሕልሙ ንክዕወት ብነገራት ተስፋ እንተይቆረፀ ንዝለፍዕ፣ ከም ንግስቲ እሌኒ ሕልሙ ጋህዲ ብምዃን ሓደ መዓልቲ ምርኣዩ ኣይተርፍን ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።

መስቀል ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ብኽልተ መገዲ ዘርእይ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዳመራ ካብ ዕንፀይቲ ናብ ሽግ ካብ ሽግ ናብ ዳመራ  ዝዓብየሉ መገዲ ምድማር ክሳብ ክንደይናይ ሓይሊን ጉልበትን ከምዘለዎ የርእይ ክብሉ ኣብሪሆም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ መስቀል ብዝተፈላለዩ መገዲታት፣ ዝተፈላለዩ ባህሊን ኣከባብራን ኣብ  ብዙሓት ብሄራት ብሄረሰባት ከምዝኽበር ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ኣብ ህብረ ብሄራዊነትና ዘሎ ነባር ዝምድናን ሓድነትን ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ምድማር ዘሎ ጥንካረን ጉልበትን ዘርእይ፣ ትውልዲ ንኣና ትምህርቲ ዘቖሞም ምልክታት ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ናይ ኩላትና ክብሪታት፣ ባህልታት፣ ዓቕሚታት፣ ሃፍቲታት፣ ቋንቋታት፣ ታሪካት ወዘተ ተደሚሮም ንኢትዮጵያ ዓባይ፣ ዝማዕበለትን ዝተኸበረትን ክገብርዋ ከምዝኽእሉ ክንሓስብ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment