7 ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ገበን ስርቂ “ሿሿ” ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ብተሽከርካሪት ብምንቅስቓስ ብልምዲ “ሿሿ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ገበን ስርቂ እናፈፀሙ ዝነበሩ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ገበን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ምርመራ እናተፃረየ ምዃኑ ሓሬታ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣመላኺቱ፡፡

ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ፍላሚንጎ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ምስቶም ተጠርጠርቲ ኢድብኢድ ዝተትሓዙ ንብረታት ከምዘለዉ ዝገለፀ ፖሊስ÷ ገበን ዝተፈፀሞ ውልቀሰብ ደንበል ከባቢ ናብ ዝርከብ ፖሊስ ጣቢያ ብምቕራብ ተጠርጠርቲ ክፈሊ ከምዝኽእልን ካብ ዝተትሓዙ ንብረታት ናይ ባዕሉ ክመርፅ ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment