ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) መድሓኒታት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምፍራይ ንፅባሕ ይፅንሐለይ ዘይበሃል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ልዕሊ 120 ሚሊየን ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ

መድሓኒታት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምፍራይ ንፅባሕ ይፅንሐለይ ዘይበሃል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኤግዚብሽን ፍሪያትን ኢኖቬሽንን እታዎታት ሕክምና ውሽጢ ዓዲ መሪቖም ከፊቶም።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እታዎታትን መድሓኒታትን ሕክምና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ምምሕያሽ ፖሊሲ ካብ ምግባር ጀሚሩ ነቲ ዓውዲ ልዑል ጠመተ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ከምኡውን መድሓኒትን እታዎታት መድሓኒትን ብውሽጢ ዓዲ ምሽፋን ዘኽእል ኩነታት ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጦም።

“ጥዕናና ብፍሪያትና” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኸፈተ እቲ ኤግዚብሽን፥ ሚኒስቴር ጥዕናን ማሕበር ኣፍረይቲ መድሓኒት ኢትዮጵያን ብሓባር ብምዃን ዘዳለውዎ ኢዩ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment