ዒድ ኣል ኣደሃ ኣረፋ በዓል ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክበዓል ይግባእ-ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና

ኣዲስ ኣበባ፤ 8 ሰነ፣ 2016 ((ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ሙስሊም ዒድ ኣል ኣደሃ ኣረፋ በዓል ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክበዓል ይግባእ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ምኽሪ መልላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እንቋዕ ንመበል 1 ሺሕን 445 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ኣረፋ ኣብፀሐኩም ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ መግለፂ ሰናይ ትምኒቱ፥ ማሕበረሰብ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ብመሰረት ኣስተምህሮ ሃይማኖት ንዝተፀገሙ ወገናቱ ብምሕሳብን ዘለዎ ብምክፋልን ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።
ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ ህዝበ ሙስሊም ነቲ በዓል እንተኽብር ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ ፥ረበቶም ንዝተመዛበሉ፣ ዓቕሚ ዘይብሎምን መዕበዪ ዘይብሎም ህፃናትን ብምድጋፍ ንከኽብሮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነታት ሓድነቱን ሕውነቱን ከጠናኽር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ህዝበ ሙስሊም ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎ ሓቲቶም።
እቲ ዘተ ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ክፍተታት ብሙምላእ ንህዝበ ሙስሊም ኩለ መዳያዊ መሰልን ረብሓን ዘኽብር እወንታዊ ኣጋጣሚ ዘርክብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment