ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ልዕሊ 8 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲ ንቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳፋሪኮም ኢትዮጰያ ን16 ሓፈሻዊ ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ነፍሲወከፈን ዘውዕል 10 ላፕቶፕን 3 ራውተርን ብሓገዝ ንቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ከምዘረከበ ተገሊፁ።

ኣብ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ጊዚያዊ ሓላፊ ዝምድናታትን ቁፅፅር ቢዝነስን ኣይተ ሲሳይ ዘሪሁን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ሲዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ዕንወት ከምዝበፅሖም ገሊፆም።

ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ዝተፈላለዩ እዋኑ ዝጠልቦም ቴክኖሎጂታትን ናብ ትግራይ እናተኣታተወ ከምዝኾነን ሓገዙ ከምዘጠናኽርን ሓቢሮም።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር)ብግደኦም÷ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ፀገምን ዕንወትን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ተረዲኡ ንዝበርከቶ ንዋታዊ ሓገዝ ብምምስጋን፤ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን ካልኦት ውን ክስዕብዎን ኣገንዚቦም።

ሓገዝ ዝተገበረን ኣብያተ ትምህርቲ÷ ን6 ወርሒ ብዘይ ምንም ክፍሊት ናፃ ዋይፋይ ክጠቀማ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ እውን ሓበሬታ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የመላኽት

Comments (0)
Add Comment