675 ነጥቢ ብምምፃእ ብብርኪ ሃገር ብሕታዊ ፀብለልታ ዝዓተረ ተምሃራይ ዮናስ ንጉስ ኣብ ሽረ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 675 ነጥቢ ብምምፃእ ብብርኪ ሃገር ብሕታዊ ፀብለልታ ዝዓተረ ተምሃራይ ዮናስ ንጉስ ኣብ ከተማ ሽረ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ንተማሃራይ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ዮናስ ንጉስ፥ ማሕበር ቀዳሞት ተማሃሮን ፈተውትን ቤትምህርቲ ፃሃየን፣ ምምሕዳርን ነበርቲን ከተማ ሽረ እንዳስላሴን ኢዮም ኣቃባብላ ገይረሙሉ።

ተማሃራይ ዮናስ ንጉስ ዘምፀኦ ውፅኢት ሓጎስ ዝተሰመዖ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮን ፈተውትን ቤት ት/ቲ ፃሃየ ዘመናዊት ላፕቶፕን 20 ሺሕ ብርን ኣበርኪቱ።

ብተወሳኺ ወረዳ ምምሕዳር ከተማ ሸረ 20 ብር፣ ዳናት መባእታዊ ሆሰፒታል 20 ሺሕ ብር መተባብዒ ሽልማት ከም ዘበርከቱ ተገሊፁ።
 
ተማሃራይ ዮናስ ንጉሰ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ እቲ ተገይሩ ዘሎ ኣቀባብላን ሽልማትን ንቐፃሊ ኣብ ትምህርቱ ኣበርቲዑ ንኽማሃር ከም ዝሕግዞ ኣረጋጊፁ።
 
ብተወሳኺ ብፍላይ ብኮምፒተር ሳይንሰ ተማሂሩ ዓዱ ንምልዋጥ ከም ዝፅዕር ድሕሪ ምግላፁ፥ ንስነ ስርዓት ኣቀባብላ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮን ፈተውትን ቤት ት/ቲ ፃሃየ ምስግና ኣቕሪቡ።
ተምሃራይ ዮናስ ንጉስ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 675 ካብ 700 ብምምፃእ ብብርኪ ሃገር ታሪካዊ ዝተብሃለ ውፅኢት ምምዝጋቡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምግላፁ ይዝከር።
Comments (0)
Add Comment