ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2015 ዓ.ም ብፌዴራልን ክልላትን 301 ሺሕ 664 ሄክታር መሬት ምልማዕ ዘኽእሉ 601 ፕሮጀክትታት መፅናዕቲን ዲዛይንን ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣፍሊጡ።
ኣብ 8 ክልላት 230 ሺሕን 964 ሄክታር መሬት ዝለምዑ 594 ፕሮጀክትታት መፅናዕቲን ዲዛይንን ምዝዛሞም እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።
ብመንግስቲ ፌዴራል ካብ ዝትግበሩ 29 ፕሮጀክትታት እቲ 70 ሺሕን 700 ሄክታር ዘልምዑ ሸውዓተ ፕሮጀክቲታት መፅናዕቲን ዲዛይንን ብምዝዛም ንህንፀት ድልዋት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
እቲ ስራሕቲ ዲዛይንን መፅናዕቲን ብክልተ ደረጃ ተኸፊሉ ስራሕቲ ቅድመ ኣዋፃኣይነት ዝተረጋገፁ ፕሮጀክትታት ጥራሕ ናብ ብርኪ ዲዛየን ንክሓልፉ ብምግባር ፅርየቱ ንምርግጋፅ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።