600 ሚኒየን ብር ወፃኢ ዝግበረሉ ህንፀት መከፋፈሊ ጣቢያ ኤሌክትሪክ ወራቤ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)600 ሚኒየን ብር ወፃኢ ዝግበረሉን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕፅረት ኤሌክትሪክ ከምዝፈትሕን ህንፀት መከፋፈሊ ጣቢያ ኤሌክትሪክ ወራቤ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ህንፀት መከፋፈሊ ጣቢያ ኤሌክትሪክ ኣብቲ ከባቢ ኢሉ እውን ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝሕግዝ ከምዝኾነን መንግስቲ እውን ዝኣተዎ ቃል ከምዝፍፅም መርአዪ ምዃኑ ገሊፀን፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ከባቢ ምስ ቀረብ ኤሌክትሪክ ተተሓሒዘዙ እናተለዓሉ ዝነበሩ ቅርታታት ዝምልስ ብምዃኑ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ጎኒ እቲ ህንፀት ጠጠው ንኽብል ኣገንዚበን፡፡

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣሸብር ባልቻ ብግደኦም፥ ህንፀት መከፋፈሊ ጣቢያ ኤሌክትሪክ ወራቤ ሲቦ ሃይብሮ ብዝተብሃለ ትካል ቻይና ከምዝህነፅን ህንፀቱ ድማ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ከምዝዛዘምን ገሊፆም።

እቲ ዝህነፅ መከፋፈሊ ጣቢያ ኣብቲ ዞባ ንብዙሓት ዓመታት ዝረአ ፀገም ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘላቕነት ከምዝፈትሖ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ብጀማል ከድሮ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment