6 ፓርቲታት ምስክር ወረቐት ምዝገባን መረጋገፂ ሕጋዊ ሰውነትን ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንሹዱሽተ ፓርቲታት ፖለቲካ ምስክር ወረቐት ምዝገባን መረጋገፂ ሕጋዊ ሰውነትን ሂቡ።

ብመሰረት እዚ፦

• ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያ

• ፓርቲ መላእ ህዝቢታት ኣምሓራ

• ሕብረት ፓርቲ ንኢትዮጵያ ናፅነትን ሰላምን

• ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ( ኢዜማ)

• ናፅነት ግምባር ፓርቲ ዓፋር ( ኣነግፓ)ን

• ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ቦሮን ምስክር ወረቐት ምዝገባን መረጋገፂ ሕጋዊ ሰውነትን
ተዋሂቦም።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ን11 ካልኦት ፓርቲታት ግዚያዊ ኣፍልጦ (ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ) ከምዝሃበ እውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

• ፌዴራሊስት ፓርቲ ኤጄቲማ (ኤፌፓ)

• ፌደራሊስት ፓርቲ ሱማሌ

• ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ህዝቢታት ካፋ(ካህዴህ)

• ፍትሕን ዴሞክራሲን ፓርቲ ህዝቢታት ፊንፊኔ (ፊህዲ)

• ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ራያ ራዩማ

• ህብር ንዴሞክራሲን ናፅነትን ፓርቲ (ህዴነፓ)

• ሓድነት ፓርቲ ሲዳማ (ሲኣፓ)

• ኢትዮጵያዊ ሃገር ለኸ ፓርቲ

• ብሄራዊ ፓርቲ ሶማሌ (ሶብፓ)

• ግምባር ሓድነት ሓርበኛታት ኢትዮጵያን

• ሕብረት ሓረስቶት ወለኔን ግዚያዊ ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦም እቲ ቦርድ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment