6 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ሰብ ሞያ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ዩንቨርስቲ ኣኽሱም ከምርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሽዱሽተ ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ሰብ ሞያ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ዩንቨርስቲ ኣኽሱም ከምርሕ ኢዩ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ሚኒስቴር ትምህርቲን መሰረተ ልምዓትን ዶ/ር ሰለሞን ኣብርሃ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ብምኽኒያት እቲ ጎንፂ ስረሐን ዘቋረፃ ዩንቨርስቲታት ኣክሱም፣ ራያ፣ ዓዲግራትን መቐለን ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ኮሚቴ ተጣይሹ ዝርዝር ትልሚ ብምድላው ይስራሕ ኣሎ።

በዚ ድማ እተን ዩንቨርስቲታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንክጅምራ ዘኽእልወን ሓይሊ ሰብ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቤ ፈተነ፣ መደቀሲ ተምሃሮን መምሃሪ ክፍሊን፣ መምሃሪ ሆስፒታላት፣ ቤተ መፃሕፍቲን ሰሪሕኻ መርኣዪን ብዝምልከት ብዕምቆት ከምዝረኣዩ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ብመሰረት ዘምፅኦ መረዳእታን ምክረ ሓሳብን እቲ ዩንቨርስቲ ናብ ስራሕ ንምምላስ ዘኽእሉ ኩነታት ሚኒስቴር ትምህርቲ ከምዘመቻቹን ንምምሃር ምስትምሃር ድልዊ ምዃኖም እንትረጋገፅ ንተምሃሮ ክፍቲ ከምዝኾኑን ኣረጋጊፁ።

ብየውሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment