6 ሺሕን 142 ኩንታል ሽኮርን ጨውን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተኸዚኑ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቃሉ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተኸዚኑ ዝነበረ 6 ሺሕን 142 ኩንታል ሽኮርን ጨውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ንግዲን ልምዓት ዕዳጋን እታ ወረዳ ኣይተ ሰይድ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ዝተረኸበ ሽኮርን ጨውን ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፅሐ ሓበሬታ ግብረ ሓይሊ ዘይሕጋዊ ቁፅፅር ኮንትሮባንድን ምርግጋእ ዕዳጋን እታ ወረዳ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ብዝተገበረ ፍተሸ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ 4 ሺሕን 26 ኩንታል ሽኮር፣ 1 ሺሕን 600 ኩንታል ብኣዮዲን ዘይተሓከመ ጨውን ብኣዮዲን ዝተሓከመ 516 ኩንታል ጨውን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ዝተፈላለዩ መኻዚናት ተኸዚኑ ምርካቡ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment